

ኢሜል: contact@thebrightinvestors.com ደዉሉልና! : +251947611111 / +251948160000
እንህቦም ግልጋሎታት

ምስራሕ መንበሪ ኣባይቲ
ኣብዚ ዘርፊ ዘለና ናይ ዓመ ታት ልምዲ ብዘለዉና ሰብ ሞያታት ተሓጊዝና ኣብ ነፍሲ ወከፍ እንሃንፆ ገዛ ዘይሃስስ ዓሻራ ብምቕማጥ ኣብ ዕብየት ዓድና ንረባረብ። እዚ ኣካል ፕሮጀክት ንብዙሕ ክፋል ሕብረተሰብና ካብ መዓልታዊ ሰራሕተኛ ጀሚሩ ክሳብ ኢንቨስተራት ብዙሕ ስራሕ ዕድል ዝፈጥር እዩ። ካብ ምጅማር ክሳብ ምዝዛም ሓደ ቪላ ወይ ኣፓርትመንት ኣርኪተክተራት፣መሃንዲሳትን ካልኦት ክኢላታትን ዝሳተፉሉ እንትኸውን ሙሉእ ጽንዓትን በጀትን ተገይርሉ ጊዜ ዘይስዕሮ ፅባቐን ጽሬትን ኣማሊእና ንሰርሕ።

ኢንቨስትመንት
ፋይናንሳዊ ዓወት ጉዕዞ ምዃኑ ንርዳእ ፣ ስትራተጂካዊ investment (ወፍሪ) ድማ ናብ ዕላማኻ ዝመርሐካ ኮምፓስ እዩ። ምትእምማን ሰረት ናይቲ ምስ ዓማዊልና ዘሎ ርክብ እዩ።ኣብ ብራይት ኢንቨስተርስ ግሩፕ ኣብ ኩሉ መዳያት ኣገልግሎትና ግልፅነትን ተሓታትነተን ቀዳምነት ንህብ።ካብ መሓውር ክፍሊት ክሳብ ኣፈፃፅማ ኢንቨስትመነት ብዛዕባ ፋይናንሳዊ ጉዕዞኹም ንፁር ርድኢት ከምዘለኩም ነረጋግፅ።ዓወትኩም ዓወትና እዩ። ኣብ ምትእምማንን ቅንዕናን ዝተሃነፀ ሽረክነት ንምምዕባል ድማ ቃል ንኣቱ።
ብዛዕባና
ብራይት ኢንቨስተርስ ከም ስሙ ኣብ ኢንቨስትመንት ብሩህ ዝኾነ ማሕበረሰብ ብምፍጣር ናይ ሓባር ተጠቃሚነት ንክህልዎ ዓሊሙ ዝተጣየሸ ብዓል ዓብዩ ራእይ ናይ ሪል ስቴትን ኢንቨስትመንትን ትካል እዩ።እዚ ብግዱሳት ፈተውቲ ዓዶም ድያስፖራ ተጋሩ ዝተጣየሸ ትካል ዘላቒ ምህዞ ከምኡውን ፅባቐ ብዘይ ገለ ፀገም ብምውህሃድ ሂወት ደቂ ሰባት ምችውን ዝቐለለን ንክኸውን ይሰርሕ። ኣብ ዓውደ ልምዓት መንበሪ ኣባይቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ምስ ባህጊ ዘመናዊ መነባብሮ ዝቃደው ማሕበረሰብ ንምፍጣር ጉዕዞ ጀሚርና ኣለና። ራኢና ህንፃታት ምህናፅ ጥራሕ ኣይኮነን። መፃኢ መነባብሮ ሕብረተሰብና ሓፍ ኣብ ምባልን ምህናፅን ንኣምን። ንዝመፅእ ወለዶታት ሓምለዋይን ምቹውን ፅባሕ ንምርግጋፅ ፕሮጀክትና ካብ ግዜን ሓይልን ቆጣቢ ቴክኖሎጂታት ክሳብ ንከባቢ ዝምችዉ ንዋት ብምጥቃም ፤ ምስ ከባቢ ዝስማዕምዑ ምዕባለታት ንምፍጣር ንፅዕር። ትልምና ንኹሉ ትግራዋይ ዘማእኸለ ዘመናዊ ኣባይቲ ንምስራሕ ዝዓለመ እዩ።ኣብ BIG(Bright Investors group) ዘለዉ ናይ ብዙሕ ዓመታት ልምዲ ዘለዎም ኣባላትና ናይ ሪል እስቴት ሕልሚ ኩሉ ትግራዋይ ንምዕዋትን ንምሕጋዘን ድልዋት እዮም። ኣብዚ ምህዞ ምስ ፅባቐ ዝራኸበሉን ሕልሚ ገዛ ዝገሃደሉን ጉዕዞ ተፀንበሩና።ብራይት ኢንቨስተረስ ሎሚ ናይ መፃኢ መንበሪ ዝስርሓሉ ዘመናዊ ናይ ሪል እስቴትን ኢንቨስትመንትን ትካል እዩ።
ብሩህ ኢንቨስትመንት ንብሩህ መፃኢ!
