ሪል እስቴትን ቴክኖሎጂን
- Dec 18, 2024
- 1 min read
ሪል እስቴት ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ፡ኣብ ቊጠባ ዓለም ዘተኣማምንን ንኢንቨስትመንት ዝጠቅምን ጽላት እዩ ነይሩ ። ካብ ዝነበርናሉ ናብ መፃኢ ኽንጉዓዝ ከለና ፡ እዚ ኢንዱስትሪ እዚ ብቴክኖሎጅያዊ ምዕባለታት ዘስደምም ለወጢ የርኢ ኣሎ። ሓደ ካብቲ ርኡይ ለውጢ ከኣ ፡ ምስ ቴክኖሎጂ ብምውህሃድ ፡ ውሕስነትን ምቾትን ከም ዝህሉ ምግባር እዩ ። ወነንቲ ገዛ ፡ ቀፃሊ ብቴክኖሎጂ ዝማዕበለ ዓይነት መነባብሮ ክመርሑ ምስ ዝደልዩ እዚ ለውጢ እዚ ዝያዳ እናዓበየ እዩ ዝኸይድ ። ብዘይካዚ ፡ ሪል እስቴት እቲ ናይ ዓለምና ዝዓበየ ኢንዳስትሪ ወይ ሃፍቲ ከም ምዃኑ ቴክኖሎጂ ኣብዚ ዘርፊ ንዓሚል ኣሳልጦን ፅሬትን ዘለዎ ስራሕ ንክህልዎ ክገብር እዩ ።
መፃኢ ናይ ዘይንቀሳቐስ ንብረት(ሪል እስቴት) ተዓፃፃፋይን ቀፃልነት ዘለዎን ከምዝኸውን ዘየጠራጥር እዩ ። ኣብ ከተማታት ፡ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕለሉ ብዙሕ ምዕባለታት ይርአ ኣሎ ፣ መንበሪ ኣባይቲ ፡ ንግዳውን መዘናግዕን ቦታታት ኣብ ሓደ ዝኾንሉ ኣሰራርሓ እናሰፍሐ ይመፀእ ኣሎ ። ሓደ ዓዲ እናዓበየ ኣብዝኸደሉን በዝሒ ህዝቢ ኣብ ከተማታት ኣብ ዝውስኸሉን ሓደሽቲ ቢዝነሳት እናተስፋሕፍሑ ይኸዱ። እዚ ድማ ሰባት ዝያዳ ቦታ ዝደልዩሉን ዝሓሸ ናይ ስራሕ ሚዛን ንክህሉን ይሕግዝ ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃልወ ኢንቨስተራትን ተጠቀምትን ከባብያዊ ሓላፍነት ቀዳምነት ብምሃብ ሓምለዋይ ከባቢ ኣብ ምፍጣር እጃሞም ከወፍዩ ይግባእ። ።
ብሩህ ኢንቨስትመንት ንብሩህ መፃኢ!
ብራይት ኢንቨስተርስ
Commenti