ብኢኮኖምን ማሕበራዊ ናብራን ዝተሃሰየት ዓዲ ከመይ ብሪል እስቴት ኣቢላ ተጠቃሚት ትኸውን?
- Dec 29, 2024
- 1 min read
ከምዝፍለጥ ኮንስትራክሽን(ሪል እስቴት ሓዊሱ) ናይ ሓደ ዓዲ ኢኮኖሚ ኣብ ምንቅስቓስ እቲ ዝለዓለ(ናይ ኣንበሳ ብፅሒት) ኣለዎ። ብፍላይ ድማ ገና ኣብ ዕቤት ኣብ ዝርከባ ናይ ኣፍሪካ ሃገራት ዝለዓለ GDP ናይታ ዓዲ ይሽፍን(ንኣብነት ኣብ ኢትዮጵያ ከባቢ 21% GDP ናይታ ሃገር ይሽፍን)። ስለዚ እዛ ኢኮኖምያዊ ማህሰይቲ በፂሕዋ ዘሎ ትግራይ ዓድና ንምፅጋን ኣብዚ ዘርፊ ብሰፊሑ ምስራሕ የድሊ ማለት እዩ። እዚ ዘርፊ ብደምቢ እንተተሰሪሕሉ ንብዙሓት ዜጋታት ስራሕ ዕድል ካብ ምፍጣር ሓሊፉ ዓድና ናብ ዝነበረቶ ሂወት ኣብ ምምላስ ዝዓበየ እጃም ክህልዎ እዩ።
ናብ ስደት ዘምርሑ ዘለዎ ኣሕዋትና ስራሕ ይህልዎም፣መሳርሒ ህንፃ ዝነግዱ ነጋዱ ይነግዱ፣ እቲ መሰረተ ልምዓት ይስፋሕፋሕ፡ ዓድና ትዓቢ፣ መንግስቲ ካብ ቐረፅን ግብርን ተጠቃሚ ይኸውን። ሪል እስቴት ንባዕሉ ጥራሕ ዝዓቢ ሴክተር ዘይኾነስ ካልኦት ሴክተራት እውን ብእኡ ተሓጊዞም ይዓብዩ።
ሪል እስቴት ኣብዚ መዳያት እዚ ብምትኳር: ኣብ ዳግመ ህንፀት ከምኡውን ኣብ ቍጠባን ሕብረተሰብን ሓንቲ ሃገር ወሳኒ ግደ ኣለዎ ።
ነዚ ምኽንያት ብምግባር እዩ ብራይት ኢንቨስተርስ ኣብዚ ሴክተር ዝነጥፍ ዘሎ። ስለዚ ብሓባር ዓድና ነዕቢ። ናብ ዝነበረቶ መሊስና፣ ካብኡ ንላዕሊ ድማ ንስራሕ።
ንዘለኩም ሕቶታት ደዉሉልና --> 0947611111

Comentarios