ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ኣብ ትግራይ/መቐለ ኢንቨስት ምግባር ወይ ገዛ ምዕዳግ ስግኣት ኣለዎ ዶ?
- Mar 8, 2025
- 1 min read

መጀመርታ ትግራይ መሊኣ ናብ ቕድሚ 2013 ዝነበረቶ ሙሉእ ሰላም ክትምለስ ትምኒትና እዩ። ብምቕፃል ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ትግራይ ኢንቨስት ብምግባር ዓድና ዘይሃነፅና ደኣ መን ክሃንፃ? መን ስራሕ ብምፍጣር ነቲ ዘሎ መንእሰይ ክሕግዝ ኢና ንደሊ? ትኽክል እዩ መንግስቲ እቲ ዝዓበየ ሓላፍነት ኣለዎ። ግን ንሕና’ኸ እንታይ ንገብር ኣለና? ዳግማይ ህንፀት ትግራይ መን ከረጋግፀልና ኢና ንፅበ ዘለና? እሞ ኸዓ ዓድና እናማዕበልና ንባዕልና’ውን ፅባሕ እነትርፈሉ ዕድል ኾይኑ እናሃለየ ከምዚ ዓይነት ስግኣት እንተሃልዩና ትግራይ ሓሚቓ ኢልና ክነማርር የብልናን። ባዕልና ኢና ሓሚቕና ዘለና። ኣብዘይንፈልጦ/ኣብዘይተፀንዐ ገንዘብና ነፍስስ ኣይኮናን ንብል ዘለና። ሪል እስቴት ወይ መንበሪ ኣብ ዝሓመቐ ግዜ እውን ተፈቲኑ ዝሓልፍ ንብረት እዩ። ሐዚ ዘሎ ዋጋ መሬትን ገዛን ልዕሊ ዕፅፊ ቕድሚ ኩናት ትግራይ ዝነበረ ዋጋ እዩ ዘሎ። ሓደ ዓዳጊ ከም ግለሰብ እቲ ዝዓበየ ጥቕሚ ዋላ’ኳ ዝረክብ እንተኾነ ኣብ ትሕቲኡ ግን ብዙሕ ዕድል ስራሕ እዩ ዝፈጥር(ካብ መዓልታዊ ሸቃላይ ጀሚሩ ክሳብ ነጋዶ መሳርሕታት ኮንስትራክሽን፣ ካብ ዲዛይን ሰራሒ ክሳብ ኮንትራክተር፣ ካብ ናይ ፀፀርን ሓሸዋን መካይን ክሳብ መምረቲ ብሎኬት. . .)።
ስለዚ ዓድና ገዲፍና ናብ ንኸዶ የብልናናን እሞ ዓድና እናልማዕና ንባዕልና እውን ኣትረፍቲ ንኹን እዩ ናይ ሎመዓንቲ መልእኽትና።
ብሩህ ኢንቨትመንት ንብሩህ መፃኢ



Comments